Gedichte – ግጥምታት

***ተሓጋጋዚት ማሕበር ኤርትራውያን ቩርስቡርግን ከባቢኣን***
ብትግርኛ ዶ ይሕሸኪ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ክብለኪ
ዶስ ብጀርመን ገማይንኑትሲገር ፈርኣይን ኢለ ክሰምየኪ
ማሕበረይ ብ 2016 ዓመተ ምህረት ተወሊድኪ
ድሮ እግሪ ተኺልኪ ኣርባዕተ ዓመትኪ የሕሊፍኪ
ካብ ፍሑኽ ናብ ታተ፣ ካብ ታተ ናብ ምኽያድ በጺሕኪ
ደጊም ደቅኽስ ሓደ ኮይና ኢና ብሳላ ሰናይ ተግባርኪ
ፍቕሪ ለጊስኪ ሰላም ኣውሪድክልና ርኸቢ ናይ ኢድኪ
ጌና ብዕሸልኪ ብዙሕ ፈቲኖም እዮም ከሰናኽሉኪ
ሽምኪ ከጸልሙኺ ንስኺ ግን ንኹሉ መኪትኪ
ሰንከልከል ከይበልኪ ከይወደቕኪ
እኳ ደኣ ብኽልተ እግርኺ ጠጠው ኢልኪ ደልዲልኪ
ፋሕ ከብሉኺ ንዝፈተኑ ርእሶም ኣድኒንኪ
ኣብ ልዕሊኦም ተወጢሕኪ ንቕድሚት መሪሽኪ
ንደቅኺ ብትምህርቲ ብሙዚቃ ብባህሊ እንዳሃነጽኪ
ደቅኺ ውን ድልዋት ኢና ዋልታ ኮንና ክንካላኸለልኪ
ኣጆኺ ማሕበረይ ንቕድሚት መርሺ ኣብ ጎንኺ ኣለናልኪ
ሕጂ ግዳ ከም ጸሓይ ቀጥሪ ተኾሊዓ ሓቅነትኪ
መንግስትን ህዝብን ፈሊጡኪ ኩሉ የኽብረኪ
ንበርልና ማሕበረይ ንበርልና ይደፈን ዓይኒ ኣባይኪ
ኣነ ከም ኣኽሊሉ ወይ ኣኪለ ወይ ኣቺለ ወይ ኣኪ
ከመይ ድየ ዝፈትወኪ እንቋዕ ሰብ ኣይኮንኪ
በሊ ከይርብሸኪ ዘረባ ኣብዚሐልኪ
ኣብዚ ወዲአ ኣለኹ አዚ ዎ ደሓንኪ