Sinnvolle Versicherungen – ኣድለይቲ ውሕስናታት

ኣድለይቲ ውሕስናታት ወይ ፈርዚሸሩንገን                         

እዘን ዝስዕባ ውሕስናታት ወይ ፈርዚሸሩንገን ንነፍስወከፍ ሰብ ኣባልነት ክህልዎ ኣድለይቲ ዝኾና ናይ ክመጻካ ዝኽእል ዕዳ ወይ ክፍሊት ውሕስና ህባኻ ዝኽእላ እየን፥

1. Privathaftpflichtversicherung (ግላዊ ናይ ዕዳ ውሕስነት)

ኣድላይነቱ፥ ንኹሉ ሰብ

ተገዲድካ ትኣትዎ ናይ ዕዳ ውሕስነት ኣይኮነን

እዛ ፕሪቫትሃፍትፍሊሽትፈርዚሸሩንግ ናይ ብዘይፍላጥ ዝጎዳእካዮ ሰብ ወይ ዘባላሸካዮ ናይ ሰብ ንብረት ዝመጻካ ዕዳ ትኸፍለልካ፥ እዚ ማለት ካኣ ናይ ፕሪቫትሃፍትፍሊሽትፈርዚሸሩንግ ኣባል እንተድኣ ኮንካ ኣብ ሓደ ሰብ ወይ ካኣ ኣብ ናቱ ንብረት ዝኾነ ጉድኣት ወይ ብልሽት ጌርካ እቲ ዝመጻካ ዕዳ እዛ ፈርዚሸሩንግ ትኸፍለልካ፥

ንኣብነት፥

  1. ናይ ሰብ ጉድኣት፥ ብ ብሽግለታ እንዳኸድካ ምስሓደ ካልእ ብ ብሽግለታ ዝኸይድ ትጓነጽ፥ እዚ ሰብ ብርእሱ ይወድቕ በዚ ሰንኪ ኻኣ ፓራላይዝ ይኸውን መዋእሉ ኣብ ሕክምና ይኸይድ ነዚ ክንክን ዝግበረሉ ብ ኣሻሓት ብ ሚልዮናት ኦይሮ ፅዳ ይመጻካ፥ ነዚ ዕዳ እዚ ኣባል እንተኾንካ እታ ፈርዚሸሩንግ ትኸፍሎ፥፥
  2. ናይ ንብረት ብልሽት፥ ምስ ሓደ ሰብ እንዳተጻወትካ ኮለኻ ኣጋጣሚ ሓዳሽ ሞባይሉ ኣይፎን ዚበን ወይ ሓዳሽ ኦኪያለ ተውድቐሉ፥ ኣብዚ ብ ኣማኢት ዝግመት ዕዳ ይመጻካ፥ ኣባልነት ናይ ፈርዚሸሩንግ እንተለካ ግን ኩሉ ንሳ ትኸፍለልካ፤

 

2. Gesetzliche Krankenversicherung (ሕጋዊ ናይ ሕክምና ክፍሊት ውሕስነት)

ኣድላይነቱ፥ ንኹሉ ሰብ

ተገዲድካ ትኣትዎ ናይ ሕክምና ክፍሊት ውሕስነት

እዚኣ ገዘት ስልሸ ክራንከንፈርዚሸሩንግ ትባሃል፥ ናይ ሕክምና ናብ ሓኪም ከድካ ክትምርመርን ክትፍወስን ኮለኻ፥ ዝተኣዘዘልካ ኣፋውስ ክትገዝእ ክም ኡ ውን ኣብ ሆስፒታል ብሕማም ምክን ያት ክንክን ንዝግበረልካ ዝጸንሐ ዝኽፈል ክፍሊት ትኸፍለልካ፥ እዚ ከኣ ብ ኣሻሓት ክግመት ዝኽእል ክፍሊት እዩ፥፥

 

3. Private Krankenversicherung (ናይ ግሊ ናይ ሕክምና ክፍሊት ውሕስነት)

ኣድላይነቱ፥ ንኹሉ ሰብ ኣይኮነን

ተገዲድካ ትኣትዎ ናይ ሕክምና ክፍሊት ውሕስነት ኣይኮነን

እዚኣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናያ ክራንከንፈርዚሸሩንግ ኢያ ግን ናይ ግሊ ኢያ፥ ማለት ን ቡዙሕ ኣታዊ ዘለዎ ሰብ፥ ን ስሩዕ ሰራሕተኛ ዘይኮነ ብነብሱ ዝሓድር፥ ዝ ኣመሰሉ እዚ ውሕስና እዚ ክትኣትዎ ጽቡቕ፥፥

 

4. Berufsunfähigkeitsversicherung (ውሕስና ክትሰርሕ ምስዘይትኽል)

ኣድላይነቱ፥ ንኹሉ ሰብ

ተገዲድካ ትኣትዎ ውሕስነት ኣይኮነን

ስራሕካ ብሰንኪ ሕማም ወይ ከኣ ሓደጋ ዘጋጠመካ ክትቅጽሎ ኣብዘይትኽእሉ ግዜ፥ ካብ መንግስቲ ሓገዝ ትረኽቦ ውሑድ እዩ፥ ኢዚኦም ግን ኣባሎም እንተጸኒሕካ ወርሓዊ ገንዘብ ይግበረልካ፥፥