Versammlungsprotokoll – ናይ ኣኼባ ጽሑፍ

ኣብ ናይ ኣባላት ኣኼባ ዝተታሕዘ ጽሑፍ (ፕሮቶኮል)

ብዕለት 31.08.2019፣ 27 ሰባት ኣብቲ ናይ ማሕበር ናይ ኣባላት ሊስታ ተመዝጊቦም ዘለዉ፣ ናይ ማሕበር ሓደሽቲ ሽማግለን ተቆጻጸርትን ክመርጹ ይእከቡ፥፥ እዞም ሰባት ኩሎም ድምጾም ንኽህቡ መሰል ዘለዎም እዮም፥፥

ኣቶ ኣኽሊሉ መሓሪ ነቲ ኣኼባ ይኸፍቶ/ይጅምሮ፥፥ ድሕሪ ናይ መእተዊ ዘረባ ብዛዕባ ዕላማ ናይቲ ኣኼባ መግለጺ ሂቡ፥፥ ናይ አኼበኛ ብዝሒ ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ማለት 27 ካብ ጠቕላላ 40 ኣባላት ናይ ማሕበር ስለዝተረኽቡ፣ ምርጫ ክጅመር ተኽእሎ ኔሩ፣ የግዳስ ኣቦ መምበርን ምክትል ኣቦ መምበርን ኣብቲ ኣኼባ ስለዘይተረኽቡ፣ እቲ ምርጫ ናብ ትመጽእ ቀዳም ዕለት 07.09.2019 ክትግበር ብኣኼበኛ ይውሰን። ግን ካኣ ኣቦ መምበርን ምክትል ኣቦ መምበርን ኣብዛ ማዓልቲ እዚኣ እንደገና እንተዘይተሳተፉ ኣኼበኛ ብዘይ ብኦኦም ምርጫ ከምዘካይድ ኣተሓሳሲቡ።

ቩርስቡርግ, 31.08.2019

ኣቶ ኣኽሊሉ መሓሪ

(ናይ ኣኼባ መራሒ, ዋና ጸሓፊ)

===================================================

 

ኣብ ናይ ሽማግለ ኣኼባ ዝተታሕዘ ጽሑፍ (ፕሮቶኮል)

ብዕለት 04.07.2019 ሰዓት 18:30፥ እዞም ኣብ ታሕቲ ዝስዕቡ ናይ ማሕበር ኣባላት ተረኺቦም ብዛዕባ ናይ ማሕበር ኣቕሑት ለቃሕ ዝምልከት ጉዳያት ተዛትዮም፥፥

  • ኣቶ ደጀን ስልጣን(ኣቦ መምበር)
  • ወይዘሮ ምሕረት ሃንስ (ምክትል ኣቦ መምበር)
  • ወይዘሮ ኤልሳ በራኺ (ተሓዚት ገንዘብን ንብረትን)
  • ኣቶ ኣኽሊሉ መሓሪ (ዋና ጻሓፊ)

ኣቶ ደጀን ስልጣን ነቲ ኣኼባ ይኸፍቶ/ይጅምሮ። እታ ሽማግለ ን ኣቶ ኣኽሊሉ መሓሪ ነቲ ኣብ ኣኼባ ዝባሃል ክጽሕፍ (ፕሮቶኮል ክጽሕፍ) ትውከሶ፥ ኣብቲ ኣኼባ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ተወሲኖም።

  1. ናይ ማሕበር ኣቕሑት ለቃሕ ንደቂ ማሕበር

ለቓሕ ናይ ማሕበር ኣቕሑት ንደቂ ማሕበር ዝዋሃብ ብትሕጃ ንሰለስተ ማዓልታት ብዘይ ክራይ ምኽፋል፣ ካብ ሰለስተ መዓልታት እንተየሕሊፉ ግን ከም ኣብ ታሕቲ ዝርዝር ዝገልጾ መዓልታዊ ክራይ ይኸፍል። ግን እቲ ወዲ ማሕበር ውራይ ናይ ገዛእ ርእሱ ጥራይ ክህልዎ ከሎ እዩ፣ ንኻልእ ኣብ ዘይውራዩ ዝኸይድ ኣቕሑት ክልቃሕ እንተደልዩ ግን፣ ከምቲ ናይ ዘይ ደቂ ማሕበር ዝርዝር ዘርእዮ ክራይ ዝኸፍሎ ከፊሉ እዩ ዝወስድ። እቲ ወዲ ማሕበር ውራዩ ኣብ ዩገንድሰንትሩም ዝገብሮ እንተኾይኑ ግን ብነጻ እዩ።

  • ንሓንቲ ዓባይ ድስቲ ትሕጃ 50€፣ ካብ ሰለስተ መዓልታት እንተሓሊፉ ክራይ ን መዓልቲ 5€
  • መውዓይ ጋዝ (ፕሮፓን ጋዝ) ትሕጃ 30€፣ ካብ ሰለስተ መዓልታት እንተሓሊፉ ክራይ ን መዓልቲ 3€
  • ኦርጋን ትሕጃ 50€፣ ካብ ሰለስተ መዓልታት እንተሓሊፉ ክራይ ን መዓልቲ 5€
  • ክራር ትሕጃ 30€፣ ካብ ሰለስተ መዓልታት እንተሓሊፉ ክራይ ን መዓልቲ 3€
  • ቪድዮ ካሜራ 50€፣ ካብ ሰለስተ መዓልታት እንተሓሊፉ ክራይ ን መዓልቲ 5€

 

  1. ናይ ማሕበር ኣቕሑት ለቃሕ ንደቂ ማሕበር ዘይኮኑ

ዘይወዲ ማሕበር ከኣ ኣቕሑት ካብ ማሕበር ክልቃሕ እንተኾይኑ ብውሕስና ናይ ወዲ ማሕበር ጥራይ እዩ ክወስድ ዝኽእል።

  • ንሓንቲ ዓባይ ድስቲ ትሕጃ 50€፣ ንሰለስተ መዓልታት 10€፣ ካብ ሰለስተ መዓልታት እንተሓሊፉ ክራይ ን መዓልቲ 5€
  • መውዓይ ጋዝ (ፕሮፓን ጋዝ) ትሕጃ 60€፣ ንሰለስተ መዓልታት 6€፣ካብ ሰለስተ መዓልታት እንተሓሊፉ ክራይ ን መዓልቲ 3€
  • ኦርጋን ትሕጃ 100€፣ ንሰለስተ መዓልታት 50€፣ ካብ ሰለስተ መዓልታት እንተሓሊፉ ክራይ ን መዓልቲ 20€
  • ክራር ትሕጃ 60€፣ ንሰለስተ መዓልታት 50€፣ ካብ ሰለስተ መዓልታት እንተሓሊፉ ክራይ ን መዓልቲ 10€

 

 

ናይ ሽማግለ ኣኼባ ሰዓት 18:30 ጀሚሩ ሰዓት 21:00 ተዓጽዩ፥፥

ቩርስቡርግ,  04.07.2019

ደኣኽሊሉ መሓሪ                                                               ደጀን ስልጣን

(ናይ ፕሮቶኮል ጻሓፋይ)                                                 (ናይ ኣኼባ መራሒ)

===================================================

Protokoll der Mitgliederversammlung mit Wahl neuer Vorstand

Am 15.06.2019 fanden sich die in der Mitgliederliste aufgeführten 24 Personen ein, um einen neuen Vereinsvorstand zu wählen. Von den aufgeführten Personen besitzen alle das Stimmrecht.

Herr Aklilu Mehari eröffnete die Versammlung. Er begrüßte die erschienenen und erläuterte den Zweck der Sitzung. Herr Aklilu Mehari erklärte sich bereit, die Versammlungsleitung zu übernehmen und bat Herrn Sami Mekonen das Protokoll zu führen. Der Versammlungsleiter schlug folgende Tagesordnung vor:

  1. Kurze Erläuterung der Satzung und Wahlregeln

  2. Wahl einer Wahlleitung

  3. Wahl des Vorsitzenden

  4. Wahl des stellv. Vorsitzenden

  5. Wahl des Schriftführers

  6. Wahl des Schatzmeisters

1.

Durch den Versammlungsleiter wurde die Satzung und Wahlregeln, die den Anwesenden im Entwurf bereits bekannt war, kurz erläutert.

2.

Als Wahlleiter wurde Frau Lemlem Fitwi und als seine beiden Beisitzer Frau Asmeret Yosef und Herr Amaniel Mekonen einstimmig bestätigt. Frau Lemlem Fitwi bat um Vorschläge für den neuen Vorstand. Die Vorgeschlagenen jeweils vier Kandidaten erklärten ihre Bereitschaft zur Wahl.

3.

Wahl des Vorsitzenden:

  • Herr Misghina Kessete erhielte 4 Ja-Stimmen

  • Herr Dejen Sultan erhielte 10 Ja-Stimmen

  • Herr Sami Mekonen erhielte 7 Ja-Stimmen

  • Herr Eyob Weldemikael erhielte 2 Ja-Stimmen

Der gewählte Vorstandsvorsitzende Herr Dejen Sultan nahm die Wahl an.

4.

Wahl des stellv. Vorsitzenden:

  • Herr Misghina Kessete erhielte 7 Ja-Stimmen

  • Herr Sami Mekonen erhielte 4 Ja-Stimmen

  • Frau Asmeret Yosef erhielte 5 Ja-Stimmen

  • Frau Mihret Hanis erhielte 8 Ja-Stimmen

Der gewählte stellv. Vorstandsvorsitzende Frau Mihret Hanis nahm die Wahl an.

.5.

Wahl des Schriftführers:

  • Herr Sami Mekonen erhielte 2 Ja-Stimmen

  • Herr Aklilu Mehari erhielte 21 Ja-Stimmen

  • Herr Desale Okbatsien erhielte 1 Ja-Stimmen

  • Herr Henog Tsegay erhielte 0 Ja-Stimmen

Der gewählte Schriftführer Herr Aklilu Mehari nahm die Wahl an.

.6.

Wahl des Schatzmeisters:

  • Frau Elsa Beraki erhielte 20 Ja-Stimmen

  • Frau Ruth Martini erhielte 2 Ja-Stimmen

  • Frau Asmeret Yosef erhielte 0 Ja-Stimmen

  • Frau Ghenet Mekonen erhielte 0 Ja-Stimmen

Der gewählte Schatzmeister Frau Elsa Beraki nahm die Wahl an.

Die Versammlung wurde um 16 Uhr begonnen und um 18 Uhr geschlossen.

Würzburg, 15.06.2019

 Sami Mekonen              Aklilu Mehari

(Protokollführer)        (Versammlungsleiter)

===================================================

ኣብ መላእ ናይ ኣባላት ኣኼባ ዝተታሕዘ ጽሑፍ (ፕሮቶኮል) ብዛዕባ ናይ ሓደሽቲ ሽማግለ ምርጫ

ብዕለት 15.06.2019 24 ሰባት ኣብቲ ናይ ማሕበር ናይ ኣባላት ሊስታ ተመዝጊቦም ዘለዉ ናይ ማሕበር ሓደሽቲ ሽማግለ ክመርጹ ይእከቡ፥፥ እዞም ሰባት ኩሎም ድምጾም ንኽህቡ መሰል ዘለዎም እዮም፥፥

ኣቶ ኣኽሊሉ መሓሪ ነቲ ኣኼባ ይኸፍቶ/ይጅምሮ፥፥ ድሕሪ ናይ መእተዊ ዘረባ ብዛዕባ ዕላማ ናይቲ ኣኼባ መግለጺ ሂቡ፥፥ ኣቶ ኣኽሊሉ ድሕሪ ነቲ ኣኼባ ንኽመርሖ ድልውነቱ ብምግላጽ ን ኣቶ ሳሚ መኮነን ነቲ ኣብ ኣኼባ ዝባሃል ክጽሕፍ (ፕሮቶኮል ክገብር) ይውከሶ፥ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ውን ከም ኣርእስቲ የቕርቦም፥፥

  1. መግለጺ ናይታ ማሕበር ሕግታትን ብዛዕባ ድምጺ ኣዋሃህባን
  2. ምርጫ ናይ ኣምረጽቲ
  3. ምርጫ ናይ ኣቦ መምበር
  4. ምርጫ ናይ ምክትል ኣቦመምበር
  5. ምርጫ ናይ ዋና ጸሓፊ
  6. ምርጫ ናይ ታሓዚ ገንዘብን ንብረትን

1.

ብ መራሒ ኣኼባ ኣቶ ኣኽሊሉ ብዛዕባ ኣብቲ ነቶም ኣኼበኛታት ዝተዋህቦም ናይ ማሕበር ሕጊ ተጻሒፉ ዘሎ ናይ ኣማራርጻ ሕግታት መግለጺ ሂቡ፥፥

2.

ከም ናይ ኣምራጺት ኣካል መራሒት ወይዘሮ ለምለም ፍትዊ ከምኡ ውን ተሓባበርቱ ወይዘሮ ኣስመረት ዮሴፍን ኣቶ ኣማንኤል መኮነን ብኣኼበኛ ይምረጹ፥ ወይዘሮ ለምለም ፍትዊ ነቶም ናይ ኣኼባ ተኻፈልቲ ን ሽማግለ ዝኾኑ ሕጹያት ንኽረቕሑ ትውከሶም፥፥ እቶም ዝተረቕሑ ሽማግለ ዝኾኑ ሕጹያት ንኽምረጹ ቁሩባት ምኻኖም ይገልጹ፥፥

3.

ናይ ኣቦ መምበር ምርጫ ሕጹያት ዝረኸቡዎ ድምጺ፥

  • ኣቶ ምስግና ከሰተ 4 ድምጺ
  • ኣቶ ደጀን ስልጣን 10 ድምጺ
  • ኣቶ ሳሚ መኮነን 7 ድምጺ
  • ኣቶ ኢዮብ ወልደሚካኤል 2 ድምጺ

ኣቶ ደጀን ስልጣን ነቲ ምርጫ ኣቦ መምበር ተቐቢሉዎ

4.

ናይ ምክትል ኣቦ መምበር ምርጫ ሕጹያት ዝረኸቡዎ ድምጺ፥

  • ኣቶ ምስግና ከሰተ 7 ድምጺ
  • ኣቶ ሳሚ መኮነን 4 ድምጺ
  • ወይዘሮ ኣስመረት ዮሴፍ 5 ድምጺ
  • ወይዘሮ ምሕረት ሃንስ 8 ድምጺ

ወይዘሮ ምሕረት ሃንስ ነቲ ምርጫ ከም ምክትል ኣቦ መምበር ተቐቢላቶ

5.

ናይ ዋና ጸሓፊ ምርጫ ሕጹያት ዝረኸቡዎ ድምጺ፥

  • ኣቶ ሳሚ መኮነን 2 ድምጺ
  • ኣቶ ኣኽሊሉ መሓሪ 21 ድምጺ
  • ኣቶ ደሳለ ዑቕባጽየን 1 ድምጺ
  • ኣቶ ሄኖክ ጸጋይ 0 ድምጺ

ኣቶ ኣኽሊሉ መሓሪ ነቲ ምርጫ ከም ዋና ጸሓፊ ተቐቢሉዎ

6.

ናይ ተሓዚ ገንዘብን ንብረትን ምርጫ ሕጹያት ዝረኸቡዎ ድምጺ፥

  • ወይዘሮ አልሳ በራኺ 20 ድምጺ
  • ወይዘሮ ሩታ ማርቲኒ 2 ድምጺ
  • ወይዘሮ ኣስመረት ዮሴፍ 0 ድምጺ
  • ወይዘሮ ገነት መኮነን 0 ድምጺ

ወይዘሮ አልሳ በራኺ ነቲ ምርጫ ከም ተሓዚት ገንዘብን ንብረትን ተቐቢላቶ

 

እቲ ኣኼባ ሰዓት 16 ጀሚሩ ሰዓት 18 ተዓጽዩ፥፥

ቩርስቡርግ, 15.06.2019

ኣቶ ሳሚ መኮነን (ናይ ፕሮቶኮል ጻሓፋይ)                  

ኣቶ ኣኽሊሉ መሓሪ (ናይ ኣኼባ መራሒ)

===================================================

ኣብ መላእ ናይ ኣባላት ኣኼባ ዝተታሕዘ ጽሑፍ (ፕሮቶኮል) ብዛዕባ ዕስራ ሰነን ንበዓል ናጽነትን ኣባዓዕላ

ብዕለት 15.06.2019 31 ሰባት ኣብቲ ናይ ማሕበር ናይ ኣባላት ሊስታ ተመዝጊቦም ዘለዉ ንዕስራ ሰነን ንበዓል ናጽነትን ኣባዓዕላ ዝምልከት ድምጾም ክህቡ ይእከቡ፥፥ እዞም ሰባት ኩሎም ድምጾም ንኽህቡ መሰል ዘለዎም እዮም፥፥

ኣቶ ኣኽሊሉ መሓሪ ነቲ ኣኼባ ይኸፍቶ/ይጅምሮ፥፥ ድሕሪ ናይ መእተዊ ዘረባ ብዛዕባ ዕላማ ናይቲ ኣኼባ መግለጺ ሂቡ፥፥ ኣቶ ኣኽሊሉ ድሕሪ ነቲ ኣኼባ ንኽመርሖ ድልውነቱ ብምግላጽ ን ኣቶ ሳሚ መኮነን ነቲ ኣብ ኣኼባ ዝባሃል ክጽሕፍ (ፕሮቶኮል ክገብር) ይውከሶ፥

ኣብ ዕለት 04.05.2019 ዝነበረት ናይ መላእ ወዲ ማሕበር ኣኼባ እቲ ኣኸበኛ ዕስራ ሰነ ክትባዓል ወሲኑ ኔሩ፡ ግን ብዙሓት ደቂ ማሕበር ኣይነበሩን፡ በዚ ምኽንያት ከኣ ብዙሕ ዝተፈላለየ ዘረባታት ኔሩ፡ ብዙሓት ድምጽና ኣይሃብናን፡ ንምንታይ ጥራይ ዒስራ ሰነ ጥራይ ትባዓል፡ ወይ ንምንታይ ክልቲኤን ዘይተርፋ ወይ ክሊታኤን ዘይባዓላ ዝብል ሓሳባት ቀንዩ። ካብ 31 ደቂ ማሕበር 16 ጥራይ ኢዮም ኔሮም 15 ኣይነበርናን።

በዚ ምኽንያት ሽማግለን ኣማኸርትን ዕለት 14.06.2019 ተኣኪቦም ነፍስወከፍ ወዲ ማሕበር ድምጹ ክህበሉ ዝኽእል መገዲ ንዕለት 15.06.2019 ቅድሚ ናይ ሽማግለ ምርጫ ክትግበር ከምዚ ዝስዕብ ዲሞክራሲያዊ ምርጫ ክካየድ ወሲኑ፡

ነፍስወከፍ ወዲ ማሕበር ሓንቲ ወረቀት እዘን ዝስዕባ ሰልስተ ነጥብታት ዘለዋ ይዋሃብ፡

  1. 20 ሰነ ጥራይ ትተግበር
  2. ክልቲኤን 20 ሰነን መዓልቲ ናጽነትን ይባዓላ
  3. ክልቲኤን 20 ሰነን መዓልቲ ናጽነትን ኣይባዓላ

ካብአን ሓንቲ ብሕቡእ መሪጹ ነታ ወረቀት ጠቅሊሉ ናብ ናይ ሽማግለ ጀምቢል የእትዋ፡

ሽማግለ እቲ ዝተዋህበ ድምጺ ቆጺሩ ዝበዝሐ ድምጺ ይዕወት ማለት ኢዩ፡ ነዚ ኣ ናይ ዝበዝሑ ውጽኢት ከኣ ኩሉ ወዲ ማሕበር ኣሜን ኢሉ ይቅበላ። መታን 31 ሰብ ድምጺ ክህብ፡ ወላ ብሕማም ይኹን ብኻልእ ድምጹ ንዝኣምኖ ሰብ ከማልእ ይኽእል። 31 ደቂ ማሕበር ከኣ ድምጾም ይህቡ።

በዚ ናይ ዲሞክራስያዊ ምርጫ መገዲ ከኣ እታ ቀዳመይቲ ነጥቢ ማለት „20 ሰነ ጥራይ ትተግበርትብል ነጥቢ 16 ድምጺ ክትረክብ ኮላ እታ ሳልሰይቲ ነጥቢ ከኣ ማለት ክልቲኤን 20 ሰነን መዓልቲ ናጽነትን ኣይባዓላትብል ከኣ 15 ድምጺ ትረክብ።

በዚ ምኽን ያት እታ ቀዳመይቲ ነጥቢ ማለት „20 ሰነ ጥራይ ትተግበርብድምጺ ብልጫ ትዕወት።

እቲ ኣኼባ ሰዓት 14 ጀሚሩ ሰዓት 16 ተዓጽዩ፥፥

ቩርስቡርግ, 15.06.2019

ኣቶ ሳሚ መኮነን (ናይ ፕሮቶኮል ጻሓፋይ)                  

ኣቶ ኣኽሊሉ መሓሪ (ናይ ኣኼባ መራሒ)

 

===================================================

ኣብ ናይ ሽማግለን ኣማኸርትን ኣኼባ ዝተታሕዘ ጽሑፍ (ፕሮቶኮል)

ብዕለት 21.04.2018 ሰዓት 12:00፥ እዞም ኣብ ታሕቲ ዝስዕቡ ናይ ማሕበር ኣባላት ተረኺቦም ብዛዕባ ናይ ማሕበር ጉዳያት ክዛተዩ ይጅምሩ፥፥

  • ኣቶ ሃብቶም ተስፋሚካኤል (ኣቦ መምበር)
  • ወይዘሮሳባ ስዩም (ምክትል ኣቦ መምበር)
  • ወይዘሮ ኤልሳ በራኺ (ተሓዚት ገንዘብን ንብረትን)
  • ኣቶኣኽሊሉ መሓሪ (ዋና ጻሓፊ)
  • ኣቶ የማነ መድሃኔ (ኣማኻሪ)

 

ኣቶ ኣኽሊሉ መሓሪ ነቲ ኣኼባ ይኸፍቶ/ይጅምሮ። እታ ሽማግለ ን ኣቶ ሃብቶም ተስፋሚካኤል ነቲ ኣብ ኣኼባ ዝባሃል ክጽሕፍ (ፕሮቶኮል ክገብሩ) ትውከሶ፥ እዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ቀንዲ ነጥብታት ውን ከም ኣርእስቲ ይቐርቡ።

  1. ኣድራሻ ደቂ ማሕበር
  2. ሓድሽ ኣማኻሪ ኣባል
  3. ክፍሊት ናይ ኣባልነት
  4. ናይ መግብን መስተን ቀረብ
  5. ምጥቃም ኣቕሑት ናይ ማሕበር
  6. ኣኼባ ናይ ኩሎም ኣባላት ማሕበር
  7. ዓመታዊ ባዓል

ተወሳኺ ሓበሬታ

  • ሓንቲ ቪድዮ ካመራን በዓላት ይኹን ንኻልእ ኣድለይቲ ጉዳያት ዘገልግል ገዚእና ኣለና
  • እዚ ዓመት እዚ ውን በቲ ዝጻሓፍናሎም መሰረት፣ ሽፓርካሰ 500€ ሽታት ቩርስቡርግ ኣክቲቭቡሮ 600€ ሓገዞም ኣወፊዮሙልና

 

  1. ኣድራሻ ደቂ ማሕበር

ብዙሓት ደቂ ማሕበር ብ ቫይበር መገዲ ሓበሬታ ናይ ማሕበር ክረኽቡ ስለዘይክእሉ፣ ማሕበርና ብመገዲ ደብዳቤ ውን ሓበሬታ ክትህብ ሽማግለ ውሳነ የታሓላልፍ፣ በዚ ምኽን ያት ነፍስወከፍ ወዲ ማሕበር ኣድራሽኡ ክህበና ነታሓሳስብ።

  1. ሓድሽ ኣማኻሪ ኣባል

ኣቶ ሃብቶም ተስፋሚካኤል ከም ኣቦመምበር ምስተመርጸ፣ ሽማግለ ንዝነበሮ ናይ ኣማኻሪ ቦታ መተካአታ ን ኣቶ ሳሚ መኮነን ከም ኣማኻሪ ኣባል ትመርጽ፣ ኣቶ ሳሚ መኮነን ከኣ ነቲ ሓላፍነት ባህ እንዳበሎ ተቐቢሉዎ።

  1. ክፍሊት ናይ ኣባልነት

ሓድሽ ከም ኣባል ኣብ ማሕበርና ክምዝገብ ዝደሊ፣ ኣብዚ ዝጸንሐ ህላውነት ናይ ማሕበርና እንዳፈለጠ ከይተመዝገበ ዝጸንሐ እንተኾይኑ፣ ክንድቲ ካብቲ ማሕበርና ዝተመስረተትሉ (02.2016) ግዜ ኣትሒዙ ዝተኸፍለ ክፍሊት ከፊሉ ኣባል ክኸውን ይኽእል፣ ሓድሽ ዝመጸ ግን መመዝገቢ 20 €  ከፊሉ ኣባልነት ይኣቱ።  እንተድኣ ሰብ ሓዳር ሰባይን ሰበይትን ክልቲኦም ኣባልነት ኣትዮም ሓደ ጠቕላሊ ክፍሊት ናይ 4€ ብሽም ናይታ ስድራቤት ይግበረሎም።

  1. ናይ መግብን መስተን ቀረብ

ን ደቂማሕበር ጽቡቕ መተኣኻኸቢ ንክኸውን ዝዓለመ ኣብ ዩገንሰንትሩም ቀዳም ቀዳም ካብ ሰዓት 14 ክሳብ 20 ናይ መግቢ ቀረብ ማለት ክልተ እንጀራ ምስ ጥብሲን ሰላጣን ሩዝን ብ 4€ ሕሳብ፣ ዝስተ ነገራት ከኣ ፋንታ ኮላ ኣፕፈልሾርለ ብ 50 ሰንት ማይ ብጥርሑ ከተዳሉ ሽማግለ ወሲኑ።

  1. ምጥቃም ኣቕሑት ናይ ማሕበ

ምልቃሕ ናይ ማሕበር ኣቕሑት ብውዕል ምስ ተሓዚት ገንዘብን ንብረትን ክኸውን ከሎ፣ ንደቂ ማሕበር ብብቑዕ ትሕጃ ናይ ገንዘብ ብምትሓዝ፣ ንዘይደቂ ማሕበር ከኣ ብብቑዕ ትሕጃን ብናይ መዓልታዊ ክራይን ይኸውን፣ እቲ ዓቐን ናይ ትሕጃን ክራይን ከከም ኣቕሓ ተራእዩ ብተሓዚት ገንዘብን ንብረትን ይውሰን።

  1. ኣኼባ ናይ ኩሎም ኣባላት ማሕበር

ናይ ማሕበር ኣባላት ሓበሬታ ብዛዕባ ምንቅስቃት ናይ ማሕበር ኣብግዜኡ ክረኽቡዎ ስለዝግብኦም፣ ካብ ሕጂ ንንየው ናይ ሙሉእ ኣባላት ስሩዕ ኣኼባታት ክግበር፣ እዚ ማለት ከኣ ክልተ ግዜ ዓመታዊ ናይ ሙሉእ ማሕበር ኣኼባታት ክግበር ተወሲኑ። ኣብዚ ዓመት እዚ ክልተ ናይ ሙሉእ ኣኼባታት ማለት ወርሒ ሓደን ወርሒ ሽዱሽተን ኣብ ዩገንድሰንትሩም ሰለራው ክግበር ተወሲኑ።

  1. ዓመታዊ ባዓል

እዛ ማሕበር ቀንዲ ዕላማኣ ምትሕጋዝ ምስ ደቂ ማሕበር እዩ እምበር  (ቅዋም ተመልከት: http://mahbereseb-wuerzburg.de/index.php/unsere-satzung/) ካልእ ባዓላትን ንሃገር ዝምልከት ጉዳያትን ከተሳሲ ኣይኮነን። በዚ ምኽን ያት ፍልጥቲ ናይ ማሕበር ዓመታዊ በዓል ኣብ ወርሒ ለካቲት ጥራይ ትባዓል ክትከውን ኮላ፣ ኣብዚ በዓል እዚ ኸኣ ካልኦት ዜጋታት ብምዕዳም ባህልናን ልምድናን ነርእየላ መዓልቲ ትኸውን ማለት እያ።

 

ናይ ሽማግለ ኣኼባ ሰዓት 12:00 ጀሚሩ ሰዓት 14:00 ተዓጽዩ፥፥

 

ዩገንድሰንትሩም ሰለራው, ቩርስቡርግ,  21.04.2018

 

ሃብቶም ተስፋሚካኤል              ኣኽሊሉ መሓሪ

(ናይ ፕሮቶኮል ጻሓፋይ)             (ናይ ኣኼባ መራሒ)

 

===================================================

Protokoll der Mitgliederversammlung mit Wahl eines Vorsitzenden

Am 23.09.2017 fanden sich die in der Mitgliederliste aufgeführten 30 Personen ein, um einen neuen Vereinsvorsitzenden zu wählen. Von den aufgeführten Personen besitzen alle das Stimmrecht.

Herr Aklilu Mehari eröffnete die Versammlung. Er begrüßte die erschienenen und erläuterte den Zweck der Sitzung. Herr Aklilu Mehari erklärte sich bereit, die Versammlungsleitung zu übernehmen und bat Herrn Habtom Tesfamikal das Protokoll zu führen. Der Versammlungsleiter schlug folgende Tagesordnung vor:

  1. Kurze Erläuterung der Satzung und Wahlregeln
  2. Wahl einer Wahlleitung
  3. Wahl des Vorstandsvorsitzenden

Durch den Versammlungsleiter wurde die Satzung und Wahlregeln, die den Anwesenden im Entwurf bereits bekannt war, kurz erläutert.

Als Wahlleiter wurde Herr Desale Okbatsien und als seine beiden Beisitzer Frau Sara Aman und Frau Asmeret einstimmig bestätigt. Herr Desale Okbatsien bat um Vorschläge für den neuen Vorsitzenden. Der Vorgeschlagene erklärte seine Bereitschaft zur Wahl.

Vier Kandidaten stellten sich zur Vorstandswahl:

  • Herr Habtom Tesfamikal erhielte 16 Ja-Stimmen
  • Herr Rustom Sultan erhielte 4 Ja-Stimmen
  • Herr Amaniel Mekonen erhielte 6 Ja-Stimmen
  • Herr Desale Okbatsien erhielte 4 Ja-Stimmen

Der gewählte Vorstandsvorsitzende Herr Habtom Tesfamikal nahm die Wahl an.

Der Vorsitzende Herr Habtom Tesfamikal übernahm die weitere Versammlungsleitung.

Die Versammlung wurde um 14 Uhr begonnen und um 16 Uhr geschlossen.

 

Würzburg, 23.09.2017

   Habtom Tesfamikal                                                       Aklilu Mehari

 (Protokollführer)                                                      (Versammlungsleiter)

===================================================

ዝተታሕዘ ጽሑፍ (ፕሮቶኮል) ብዛዕባ ናይ ሓድሽ ኣቦ መምበር ምርጫ

ብዕለት 23.09.2017 30 ሰባት ኣብቲ ናይ ማሕበር ናይ ኣባላት ሊስታ ተመዝጊቦም ዘለዉ ሓድሽ ናይ ማሕበር ኣቦ መምበር ክመርጹ ታኣኪቦም፥፥ እዞም ሰባት ኩሎም ድምጾም ንኽህቡ መሰል ዘለዎም እዮም፥፥

ኣቶ ኣኽሊሉ መሓሪ ነቲ ኣኼባ ይኸፍቶ/ይጅምሮ፥፥ ድሕሪ ናይ መእተዊ ዘረባ ብዛዕባ ዕላማ ናይቲ ኣኼባ መግለጺ ሂቡ፥፥ ኣቶ ኣኽሊሉ ድሕሪ ነቲ ኣኼባ ንኽመርሖ ድልውነቱ ብምግላጽ ን ኣቶ ሃብቶም ተስፋሚካኤል ነቲ ኣብ ኣኼባ ዝባሃል ክጽሕፍ (ፕሮቶኮል ክገብር) ይውከሶ፥ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ውን ከም ኣርእስቲ የቕርቦም፥፥

  1. መግለጺ ናይታ ማሕበር ሕግታትን ብዛዕባ ድምጺ ኣዋሃህባን
  2. ምርጫ ናይ ኣምረጽቲ
  3. ምርጫ ናይ ኣቦ መምበር

ብ መራሒ ኣኼባ ኣቶ ኣኽሊሉ ብዛዕባ ኣብቲ ነቶም ኣኼበኛታት ዝተዋህቦም ናይ ማሕበር ሕጊ ተጻሒፉ ዘሎ ናይ ኣማራርጻ ሕግታት መግለጺ ሂቡ፥፥ 

ከም ናይ ኣምራጺት ኣካል መራሒ ኣቶ ደሳለ ዑቕባጽየን ከምኡ ውን ተሓባበርቱ ወይዘሮ ሳራ ኣማን ወይዘሮ ኣስመረት ብድምጺ ይምረጹ፥ ኣቶ ደሳለ ዑቕባጽየን ነቶም ናይ ኣኼባ ተኻፈልቲ ን ኣቦ መምበር ዝኾኑ ሕጹያት ንኽረቕሑ ይውከሶም፥፥ እቶም ዝተረቕሑ ኣቦ መምበር ዝኾኑ ሕጹያት ንኽምረጹ ቁሩባት ምኻኖም ይገልጹ፥፥

ናይ ኣቦ መምበር ምርጫ ሕጹያት ዝረኸቡዎ ድምጺ፥

  • ኣቶ ሃብቶም ተስፋሚካኤል16 ድምጺ
  • ኣቶ ርስቶም ስልጣን 6 ድምጺ
  • ኣቶ ኣማንኤል መኮነን 4 ድምጺ
  • ኣቶ ደሳለ ዑቕባጽየን 4 ድምጺ

እቲ ኣቦ መምበር ነቲ ምርጫ ተቐቢሉዎ፥፥

እቲ ኣቦ መምበር ኣቶ ሃብቶም ተስፋሚካኤል ነቲ ናይ ዝመጽእ ናይ ኣኼባ መሪሕነት ሓላፍነት ይቕበል፥፥

እቲ ኣኼባ ሰዓት 14 ጀሚሩ ሰዓት 16 ተዓጽዩ፥፥

 

ቩርስቡርግ, 23.09.2017

ሃብቶም ተስፋሚካኤል                                            ኣቶ ኣኽሊሉ መሓሪ

 (ናይ ፕሮቶኮል ጻሓፋይ)                                           (ናይ ኣኼባ መራሒ)

 

===================================================

ኣብ ናይ ሽማግለን ኣማኸርትን ኣኼባ ዝተታሕዘ ጽሑፍ (ፕሮቶኮል)

ብዕለት 06.04.2017 ሰዓት 18:30፥ እዞም ኣብ ታሕቲ ዝስዕቡ ናይ ማሕበር ኣባላት ተረኺቦም ብዛዕባ ናይ ማሕበር ጉዳያት ክዛተዩ ይጅምሩ፥፥

  • ወይዘሮ ሳባ ስዩም (ምክትል ኣቦ መምበር)
  • ወይዘሮ ኤልሳ በራኺ (ተሓዚት ገንዘብን ንብረትን)
  • ኣቶ ኣኽሊሉ መሓሪ (ዋና ጻሓፊ)
  • ኣቶ የማነ መድሃኔ (ኣማኻሪ)
  • ወይዘሮ ለምለም መሓሪ (ኣማኻሪት)
  • ኣቶ ደሳለ ዑቕባጽዮን (ኣማኻሪ)

ኣቶ ኣኽሊሉ መሓሪ ነቲ ኣኼባ ይኸፍቶ/ይጅምሮ፥፥ እታ ሽማግለ ን ኣቶ ደሳለ ዑቕባጽዮን ነቲ ኣብ ኣኼባ ዝባሃል ክጽሕፍ (ፕሮቶኮል ክገብር) ትውከሶ፥ እዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ቀንዲ ነጥብታት ውን ከም ኣርእስቲ ይቐርቡ፥፥

  1. ምቅርራባት ናይ ማዓልቲ ናጽነት
  2. ናይ ኣስቤዛ ሊስታ ንባዓል ናጽነት
  1. ምቅርራባት ናይ ማዓልቲ ናጽነት

በዓል ናጽነት ኣብ ሆይሸልሆፍ ንዕለት 27.05.2017 ካብ ፋዱስ ማለት ካብ ሰዓት 12 ኣትሒዙ ክባዓል ተመዲቡ ኣሎ። በዚ ምኽን ያት እዚ ኸኣ ብዛዕባ ምድላው በዓል ናጽነት ዝምልከት ፍሉይ ሙሉእ ናይ ማሕበር ኣኼባ ንዕለት 13.05.2017 ሰዓት 14 ኣብ ዩገንድሰንትሩም ሰለራው ክንገብር ተወሲኑ። እዚ ኣኼባ ቀንዲ ዕላምኡ መን እንታይ ክሰርሕ ክታሓባበር ይኽእል ኣጻሪኻ ንምፍላጥ እዩ።

  1. ናይ ኣስቤዛ ሊስታ ንባዓል ናጽነት 05.2017

Einkaufsliste für das Unabhängigkeitsfest – Eritreas am 27.05.2017

ናይ ኣስቤዛ ሊስታ ንበዓል ናጽነት ዕለት 27.05.2017

 

 

ናይ ሽማግለ ኣኼባ ሰዓት 18:30 ጀሚሩ ሰዓት 21:00 ተዓጽዩ፥፥

እንዳ ካትመይ, ቩርስቡርግ,  06.04.2017

 

ደሳለ ዑቕባጽዮን                                                                         ኣኽሊሉ መሓሪ

(ናይ ፕሮቶኮል ጻሓፋይ)                                                    (ናይ ኣኼባ መራሒ)

===================================================

ኣብ ናይ ሽማግለን ኣማኸርትን ኣኼባ ዝተታሕዘ ጽሑፍ (ፕሮቶኮል)

ብዕለት 01.04.2017 ሰዓት 12:00፥ እዞም ኣብ ታሕቲ ዝስዕቡ ናይ ማሕበር ኣባላት ተረኺቦም ብዛዕባ ናይ ማሕበር ጉዳያት ክዛተዩ ይጅምሩ፥፥

  • ኣቶ ሰሎሙን ሃይሉ (ኣቦ መምበር)
  • ወይዘሮ ሳባ ስዩም (ምክትል ኣቦ መምበር)
  • ወይዘሮ ኤልሳ በራኺ (ተሓዚት ገንዘብን ንብረትን)
  • ኣቶ ኣኽሊሉ መሓሪ (ዋና ጻሓፊ)
  • ኣቶ የማነ መድሃኔ (ኣማኻሪ)
  • ወይዘሮ ለምለም መሓሪ (ኣማኻሪት)
  • ኣቶ ደሳለ ዑቕባጽዮን (ኣማኻሪ)

ኣቶ ኣኽሊሉ መሓሪ ነቲ ኣኼባ ይኸፍቶ/ይጅምሮ፥፥ እታ ሽማግለ ን ኣቶ ደሳለ ዑቕባጽዮን ነቲ ኣብ ኣኼባ ዝባሃል ክጽሕፍ (ፕሮቶኮል ክገብር) ትውከሶ፥ እዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ቀንዲ ነጥብታት ውን ከም ኣርእስቲ ይቐርቡ፥፥

  1. ክፍሊት ናይ ሓድሽ ኣባል
  2. ዓመታዊ ባዓላትና
  3. ኣኼባ ናይ ኩሎም ኣባላት ማሕበር
  4. ዝክረ ሰማእታት

 

  1. ክፍሊት ናይ ሓድሽ ኣባል

ሓድሽ ከም ኣባል ኣብ ማሕበርና ክምዝገብ ዝደሊ፣ ኣብዚ ዝጸንሐ ህላውነት ናይ ማሕበርና እንዳፈለጠ ከይተመዝገበ ዝጸንሐ እንተኾይኑ፣ ክንድቲ ካብቲ ማሕበርና ዝተመስረተትሉ (02.2016) ግዜ ኣትሒዙ ዝተኸፍለ ክፍሊት ከፊሉ ኣባል ክኸውን ይኽእል፣ ሓድሽ ዝመጸ ግን መመዝገቢ 10 € ጥራይ ከፊሉ ኣባልነት ይኣቱ።

  1. ዓመታዊ ባዓላትና

ማሕበርና ንባዓላትና ዝኸውን ኣቕሑት ክትገዝእ ከምዘለዋ፣ በዓላትና ውን ኣበይን ብኸመይን ከነብብዕሎም ከምዘለና፣ ከምኡውን መን እንታይ ይታሓባበር ኣብቲ ንገብሮ ናይ ውራይ ምቅርራባት ክ ውሰን ከምዘለዎ ኣድላይ ስለዝኾነ፣ ሽማግለ ኣብ ዝመጽእ ኣኼባ ናይ ሽማግለ ብደቂቅ  ክትዛራረበሉ ትውስን።

  1. ኣኼባ ናይ ኩሎም ኣባላት ማሕበር

ናይ ማሕበር ኣባላት ሓበሬታ ብዛዕባ ምንቅስቃት ናይ ማሕበር ኣብግዜኡ ክረኽቡዎ ስለዝግብኦም፣ ካብ ሕጂ ንንየው ናይ ሙሉእ ኣባላት ስሩዕ ኣኼባታት ክግበር፣ እዚ ማለት ከኣ ሰለስተ ግዜ ዓመታዊ ናይ ሙሉእ ማሕበር ኣኼባታት ክግበር ተወሲኑ። እተን ኣኼባ ዝግበረለን መዓልታት ውን ፍሉጣት እየን። ኣብዚ ዓመት እዚ ክልተ ናይ ሙሉእ ኣኼባታት ማለት ዕለት 22.07.2017 ን 25.11.2017 ኣብ ዩገንድሰንትሩም ሰለራው ክንገብር ኢና።

  1. ዝክረ ሰማእታት

ዝክረ ሰማእታት ኣብዚ ዩገንድሰንትሩም ሰለራው ከነሕልፎ ተወሲኑ።

 

  

ናይ ሽማግለ ኣኼባ ሰዓት 12:00 ጀሚሩ ሰዓት 14:30 ተዓጽዩ፥፥

 

ዩገንድሰንትሩም ሰለራው, ቩርስቡርግ,  01.04.2017

 

ደሳለ ዑቕባጽዮን                                                                         ኣኽሊሉ መሓሪ

(ናይ ፕሮቶኮል ጻሓፋይ)                                                    (ናይ ኣኼባ መራሒ)

 

 

===================================================

ኣብ ናይ ሽማግለን ኣማኸርትን ኣኼባ ዝተታሕዘ ጽሑፍ (ፕሮቶኮል)

ብዕለት 03.03.2017 ሰዓት 18:00፥ እዞም ኣብ ታሕቲ ዝስዕቡ ናይ ማሕበር ኣባላት ተረኺቦም ብዛዕባ ናይ ማሕበር መጻኢ ጉዳያት ክዛተዩ ይጅምሩ፥፥

  • ኣቶ ሰሎሙን ሃይሉ (ኣቦ መምበር)
  • ወይዘሮ ሳባ ስዩም (ምክትል ኣቦ መምበር)
  • ወይዘሮ ኤልሳ በራኺ (ተሓዚት ገንዘብን ንብረትን)
  • ኣቶ ኣኽሊሉ መሓሪ (ዋና ጻሓፊ)
  • ኣቶ ሃብቶም ተስፋሚካኤል (ኣማኻሪ)
  • ኣቶ ደሳለ ዑቕባጽዮን (ኣማኻሪ)

 

ኣቶ ኣኽሊሉ መሓሪ ነቲ ኣኼባ ይኸፍቶ/ይጅምሮ፥፥ እታ ሽማግለ ን ኣቶ ሃብቶም ተስፋሚካኤል ን ኣቶ ደሳለ ዑቕባጽዮን ነቲ ኣብ ኣኼባ ዝባሃል ክጽሕፉ (ፕሮቶኮል ክገብሩ) ትውከሶም፥ እዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ቀንዲ ነጥብታት ውን ከም ኣርእስቲ ይቐርቡ፥፥

  1. ዓመታዊ ነኽብረን ባዓላት
  2. ኣድለይቲ ኣቕሑት ን ማሕበርና
  3. ውሕስና (ፈርዚሸሩንግ) ናይ ማሕበርና
  4. ሓገዛት ናይ ማሕበርና
  5. ብዛዕባ ናይ ቀዳም ቀዳም መራኸቢና
  6. ስሩዕ ኣኼባ ናይ ሽማግለ
  7. ዝተረፈ ነገራት

 

  1. ዓመታዊ ነኽብረን ባዓላት

ማሕበርና ብወግዒ ተብዕለን እዘን ዝስዕባ ሰለስተ ዓመታዊ ባዓላት እየን፥

  • ሓድሽ ዓመት፣ 31.12 ምሸት ናብ 01.01 ዘውግሕ
  • መዓልቲ ናጽነት፣ 24 ግምቦት
  • መዓልቲ ስውኣት፣ 20 ሰነ

24 ግምቦትን 20 ሰነን ዝባዓላሉ ካኣ ኣብታ ትስዕብ ቀዳም ማለት እዩ፣ ቦታ ዝባዓለሉ ናይ 20 ሰነ ኣብ ዩገንድሰንትሩም ሰለራው ክኸውን ከሎ፣ እተን ካልኦት ባዓላት ግን ኣብ ካልእ ኣዳራሽ ክባዓላ እየን።

 

  1. ኣድለይቲ ኣቕሑት ማሕበርና
  • ኣብ ግዜ ውራይ ዘገልግሉና ኣድለይቲ ዝኾኑ ኣቕሑት ከም በዓል ዓበይቲ ድስቲታት ክንሽምት ወሲንና ኣለና።

 

  1. ውሕስና (ፈርዚሸሩንግ) ናይ ማሕበርና

ኣብ ባዓላት ንገብረሉ ቦታታት ይኹን ኣብ ካልእ ናይ ማሕበርና ምንቅስቓሳት ኣባላት ናይ ማሕበር ብዘይፍላጥ ኣብ ዘውርዱዎ ናይ ንብረት ክሳራታት ይኹን ናይ ሰብ ማህሰይቲ ኣብ ማሕበርና ዝመጽእ ናይ ክፍሊት ዕዳ ትኸፍለልና ናይ ውሕስነት ካምፓኒ ን ማሕበርና የእቲናያ ኣለና። ነዚ ውሕስነት እዚ ኣብ ዓመት 80,33 ኦይሮ ንኸፍለሉ (ወርሓዊ ዳርጋ 7 ኦይሮ ማለት እዩ)።

 

  1. ሓገዛት ናይ ማህበርና
  • ኣቅድሚ ሕጂ ንመንእሰያት ሓገዝ ኢሉ ናይ ኣቶ ሰሎሙን ሃይሉ ናይ ስርሑ ቸፍ ወይ ሓለቓ ዶክቶር ሹም ዝባሃል ዝኣከቦ ገንዘብ 2500 ኦይሮ ናብ ናይ ማሕበርና ኮንቶ ተማሓላሊፉ ኣሎ።
  • ሽታት ቩርትስቡርግ 1000 ኦይሮ ሓገዝ ኣወፍዩልና፣ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝስዕብ ካልእ ሓገዛት ውን ተማጻቢዑልና ኣሎ።
  • ሽታት ቩርት ስቡርግ ዩገንድሰንትሩም ሰለራው ቀዳም ቀዳም ክንጥቀመሉ ኣፍቂዱልና።

 

  1. ብዛዕባ ናይ ቀዳም ቀዳም መራኸቢና

ኣብቲ ናይ ቀዳም ቀዳም መራኸቢና ዩገንድሰንትሩም ሰለራው እዘን ዝስዕባ ቦታታትን ቀረባትን ኣለዋና፥

  • ክልተ ክፍልታት፥ ትምህርቲ ናይ ትግርኛ፣ ናይ ጀርመን ን ጀመርትን ንዝጸንሑን ተማሃሮ፣ ከም ኡ ውን ቁጽርን ፍይዚክን።
  • ሓንቲ ክፍሊ ፊትነስ ትረይኒንግ ንገብረላ
  • ሓንቲ ክፍሊ ሙዚቃ ትረይኒንግ ንገብረላ
  • ሓንቲ ክፍሊ ንዛናጋዓላ ከም ሻሂ ቡን ንሰትየላ፣ ምስ ክሽነ
  • ሓንቲ ክፍሊ ናይ ሙዚቃ ድራማ ሳዕሲዒትን ኣኼባን ንገብረላ
  • ካልእ ከም ቢላርድ ኪከር ቲሽተኒስ እንዳተጻወትና ንዛናጋዓሉ ቦታ ውን ኣለና
  • ኣብ ደገ ከም በዓል ቮልይቦል ባስከትቦል ንጻወተሉ ቦታታት ኣለና

 

  1. ስሩዕ ኣኼባ ናይ ሽማግለ

ካብ ሕጂ ንን የው ሽማግለ ወርሓዊ ስሩዕ ኣኼባ ክትገብር ወሲና።

 

  1. ሓዝተረፈ ነገራት
  • ናይ ኩዑሾ መጻወቲ ዝኸውን ቦታ ንደሊ ኣለና፣ ዶንቦስኮ ምናልባሽ ተስፋ ሂቦሙና ኣለው መልሲ ንጽበ ኣለና።
  • ነቶም ስጋብ ሕጂ ዝተሓባበሩናን ዝሓገዙናን ናይ ምስጋና ዕድመ ክንገብረሎም ኢና
  • ኣብ ዩገንድሰንትሩም ዝስተ ነገራት ማይ ብናጻ ክኸውን ኮሎ እቲ ካልእ ዝስተ ግን ከም ባዓል ቡን ሻሂ ፋንታ ኮላ ኣፕፈልሾርለ 50 ሰንት ይኽፈሎም።

 

ናይ ሽማግለ ኣኼባ ሰዓት 18:00 ጀሚሩ ሰዓት 20:00 ተዓጽዩ፥፥

 

ቩርትስቡርግ,  03.03.2017

 

ሃብቶም ተስፋሚካኤል

ደሳለ ዑቕባጽዮን                                                                   ኣኽሊሉ መሓሪ

(ናይ ፕሮቶኮል ጻሓፋይ)                                                    (ናይ ኣኼባ መራሒ)

 

 

===================================================

ኣብ ናይ ሽማግለን ኣማኸርትን ኣኼባ ዝተታሕዘ ጽሑፍ (ፕሮቶኮል) 12.11.2016

ብዕለት 12.11.2016 ሰዓት 2:30 ድሕሪ ቀትሪ፥ እዞም ኣብ ታሕቲ ዝስዕቡ ናይ ማሕበር ኣባላት ተረኺቦም ብዛዕባ ናይ ማሕበር ውሽጣዊ ሕግታት ክዛተዩ ይጅምሩ፥፥

  • ኣቶ ሰሎሙን ሃይሉ (ኣቦ መምበር)
  • ወይዘሮ ሳባ ስዩም (ምክትል ኣቦ መምበር)
  • ወይዘሮ ኤልሳ በራኺ (ተሓዚት ገንዘብን ንብረትን)
  • ኣቶ ኣኽሊሉ መሓሪ (ዋና ጻሓፊ)
  • ኣቶ የማነ መድሃኔ (ኣማኻሪ)
  • ኣቶ ሃብቶም ተስፋሚካኤል (ኣማኻሪ)
  • ኣቶ ደሳለ ዑቕባጽዮን (ኣማኻሪ)

ኣቶ ኣኽሊሉ መሓሪ ነቲ ኣኼባ ይኸፍቶ/ይጅምሮ፥፥ እታ ሽማግለ ን ኣቶ ሃብቶም ተስፋሚካኤል ነቲ ኣብ ኣኼባ ዝባሃል ክጽሕፍ (ፕሮቶኮል ክገብር) ትውከሶ፥ እዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ቀንዲ ነጥብታት ውን ከም ኣርእስቲ ይቐርቡ፥፥

  1. ሓገዝ ኣብ ግዜ ሓዘን
  2. ሓገዝ ኣብ ግዜ ናይ መርዓ ውራይ
  3. ነቲ ሓገስ ዘተግብሩ ኣባላት ይምረጹ
  4. ሓበሬታ ንድሕንነት ወይ ከኣ ፈርዚሽሩንግ ዝምልከት
  1. ሓገዝ ኣብ ግዜ ሓዘን
  • ወርሓዊ ክፍሊት ዘማልአ ኣባል ወይ ትሕቲ ዕድመ ውላዱ ሞት ምስዘጋጥሞም ማሕበርና በዚ ሕጂ ዘለዋ ዓቕሚ 250 ኦይሮ ከም ሓገዝ ተወፊ
  • ማሕበርና ን ሓዘንተኛ ኣብ ጎኑ ኮይና ኣቕማ ብዘፍቅዶ ናይ ሓሳብ ናይ ጉልበት ሓገዝን ናይ ኣብ ቤት ጽሕፈታት ዝሳለጥ ጉዳያትን ካልእ ከምኡ ዝመሳሰሉ ብምትሕብባር ሓገዛ ተበርክት
  1. ሓገዝ ኣብ ግዜ ናይ መርዓ ውራይ
  • ወርሓዊ ክፍሊት ዘማልአ ኣባል ኣብ ግዜ መርዕኡ ማሕበርና በዚ ሕጂ ዘለዋ ዓቕሚ 100 ኦይሮ ከም ሓገዝ ተወፊ
  • ማሕበርና ን በዓል ውራይ ኣብ ጎኑ ኮይና ኣቕማ ብዘፍቅዶ ናይ ሓሳብ ናይ ጉልበት ሓገዝን ናይ ኣብ ቤት ጽሕፈታት ዝሳለጥ ጉዳያትን ካልእ ከምኡ ዝመሳሰሉ ብምትሕብባር ሓገዛ ተበርክት
  1. ነቲ ሓገስ ዘተግብሩ ኣባላት ይምረጹ

ኣብቲ ናይ ባዓል ሓዘን ጉዳያት ምድላዋት ምስቲ ሓዘንተኛ ወይ በዓል ውራይ እንዳተላዘቡ ዝናጠፉ ኣርባዕተ ኣባላት ደቂ ማሕበር ይምረጹ፥ ወይዘሮ ሩታ ሃብተሚካኤል፣ ወይዘሮ ሰላም መሓሪ፣ ኣቶ ምሕረትኣብ ጸጋይ፣ ኣቶ ሳምኤል ተወልደ

  1. ሓበሬታ ንውሕስነት/ፈርዚሽሩንግ ዝምልከት

ኣብ ጀርመን ናይ ውሕስነት ወይ ካኣ ፈርዚሸሩንግ ኣባልነት ክህልወካ ይግባእ፣ ግን ዝተፈላለየ ውሕስነት ዝ ህብ ቀረብ ዘለወን ካምፓኒታት ቡዙሓት እየን፣ እቲ ጸገም ከኣ ኣየነይቲ ካምፓኒ እያ ዝበለጸን ዝሓሰረን ኣገልግሎት ዘለዋ ንምፍላይ እዩ፥ ማህበርና ነዚ ዝምልከት ኣየኖት ውሕስነት ወይ ፈርዚሸሩንግ ኣበየነይቲ ካምፓኒ ኣባልነት ምእታው ይሓይሽ ብዝብል ሓበረታ ት ህብ፥፥

ናይ ሽማግለ ኣኼባ ሰዓት 2:30 ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ሰዓት 4:30 ድሕሪ ቀትሪ ተዓጽዩ፥፥

ቩርስቡርግ,  12.11.2016

ሃብቶም ተስፋሚካኤል                                                   ኣኽሊሉ መሓሪ

(ናይ ፕሮቶኮል ጻሓፋይ)                                                    (ናይ ኣኼባ መራሒ)

 

===================================================

ኣብ ናይ ሽማግለን ኣማኸርትን ኣኼባ ዝተታሕዘ ጽሑፍ (ፕሮቶኮል) 24.09.2016

ብዕለት 24.09.2016 ሰዓት 2 ድሕሪ ቀትሪ፥ እዞም ኣብ ታሕቲ ዝስዕቡ ናይ ማሕበር ኣባላት ተረኺቦም ብዛዕባ ንማሕበር ዝምልከት ክዛዘም ዘለዎ ነገራት ክዛተዩ ይጅምሩ፥፥

  • ኣቶ ሰሎሙን ሃይሉ (ኣቦ መምበር)
  • ወይዘሮ ሳባ ስዩም (ምክትል ኣቦ መምበር)
  • ኣቶ ኣኽሊሉ መሓሪ (ዋና ጻሓፊ)
  • ኣቶ የማነ መድሃኔ (ኣማኻሪ)
  • ኣቶ ሃብቶም ተስፋሚካኤል (ኣማኻሪ)
  • ኣቶ ኤፍረም ኣማንኤል (ተቖጻጻሪ)
  • ኣቶ ደሳለ ዑቕባጽዮን (ኣባል ማሕበር)
  • ኣቶ ምስግና ከሰተ (ኣባል ማሕበር)
  • ኣቶ ደጀን ስልጣን (ኣባል ማሕበር)

ኣቶ ኣኽሊሉ መሓሪ ነቲ ኣኼባ ይኸፍቶ/ይጅምሮ፥፥ ድሕሪ ናይ መእተዊ ዘረባ ብዛዕባ ዕላማ ናይቲ ኣኼባ መግለጺ ሂቡ፥፥ እታ ሽማግለ ን ኣቶ ሃብቶም ተስፋሚካኤል ነቲ ኣብ ኣኼባ ዝባሃል ክጽሕፍ (ፕሮቶኮል ክገብር) ይውከሶ፥ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ውን ከም ኣርእስቲ ይቐርቡ፥፥

  1. ጸብጻብ ስጋብ ሕጂ ዝተዛዘመ ዕዮታት
  2. ሞያ ወይ ክእለት ናይ ነፍስወከፍ ኣባል ምጽራይ
  3. ምርቋሕ ምርጫ ሓደ ናይ ኣማኻሪት ኣባል
  4. ናይ ኣባላት ወርሓዊ ክፍሊትን ኣካፋፍልኡን
  5. ኤርትራዊ ወይ ኤርትራዊ መበቆል ብኸመይ ነረጋግጽ
  6. ንመጻኢ ንገብሮም ፕሮጀክትታት
  7. ናይ ማሕበር ምሽጣዊ ሕግታት
  1. ጸብጻባት ብዛዕባ ስጋብ ሕጂ ዝተዛዘሙ ዕዮታት
  • ማሕበርና ኣብቲ ሕጋዊ ናይ ጀርመን ማሕበር መዝገብ ብፍርድቤት ተቐባልነት ረኺባ ተመዝጊባ
  • ማሕበርና ብፊናንስ ኣምት ከም ተሓባባሪትን ተሓጋጋዚትን ማሕበር ተቐባልነት ረኺባ ካብ ግብሪ ምኽፋል ነጻ ኾይና
  • ዝተገብረ ወርሓዊ ክፍሊትን ጸብጻብን ረሲትን ተዳልዩ ኣሎ
  • ናይ ማሕበርና ናይ ኢንተርነት ሆምፔጅ ሓጺር መግለጺ (http://mahbereseb-wuerzburg.de)
  • ብዛዕባ ሎጎ ወይ መለለይት ናይ ማሕበርና

vereinlogoweb

  1. ሞያ ወይ ክእለት ናይ ነፍስወከፍ ኣባል ምጽራይ

ናይ ነፍስወከፍ ናይ ማሕበር ኣባልነት ዘለዎ ሞያን ክእለትን እታ ማሕበር ኣነጺራ ክትፈልጥት እንተኺኢላ፣ ኣብ ኣድማዒ ውጺኢት ዘምጽኣሉ ንጹር ሓላፍነትን ስራሕን ክዋሃቦ ይኽእል፥  እዚ ኻኣ ጥራይ ነታ ማሕበር ዘይኮነ ንቕድሚት ዘሰጉማን ዘማዕብላን፥ ነቲ ሓላፍነት ዝሓዘ ውን ባህ እንዳበሎ ዝሰርሓሉ ባይታ ይዋሃቦ።

ነዚ ነገር ንምትግባር ነፍስወከፍ ኣባል ኣብቲ ናይ ባላት ሊስታ ክእለቱን ምዩኡን ብሕጽር ዝበለ መገዲ ክሕብር ንላቦ።

  1. ምርቋሕ ምርጫ ሓደ ናይ ኣማኻሪት ኣባል

በቲ ሕጊ ናይ ማሕበር መሰረት፥ ሽማግለ ን ኣማኻሪት ጉጅለ ሓደ ኣባል ኣቶ ደሳለ ዑቕባጽዮን ትውስኸላ፥ ስለዚ እታ ኣማኻሪት ጉጅለ እዞም ዝስዕቡ ኣርባዕተ ኣባላት ትሓቁፍ፥

  • ኣቶ የማነ መድሃኔ
  • ኣቶ ደሳለ ዑቕባጽዮን
  • ወይዘሮ ለምለም መሓሪ
  • ኣቶ ሃብቶም ተስፋሚካኤል
  1. ናይ ኣባላት ወርሓዊ ክፍሊትን ኣካፋፍልኡን

ወርሓዊ ክፍሊትና ስጋብ ሕጂ ንልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ኣባላት 5 ኦይሮ እዩ ተወሲኑ፣ ግን ንገለ ቁሩብ ኣጸጋሚ ኮይኑ ስለዘሎ ንመጻኢ ኣብ 3 ኦይሮ ዶ ከነውሪዶ ወላስ ብ 5 ይቐጽል? ማሕበር ትውስኖ።

ኣካፋፍላ ኸ ወርሓዊ ካብ ናይ ባንኪ ኮንቶ ከምዝሳሓብ ዶ ክንገብሮ ወላስ ከምዚ ዘለዎ ይቐጽል?

  1. ኤርትራዊ ወይ ኤርትራዊ መበቆል ብኸመይ ነረጋግጽ

እዚ ነገር እዚ ቁሩብ ኣጸጋሚ ኮይኑ ረኺብናዮ ስለዘለና፥ እቲ ሕቶ ናብ ማሕበር ከነቕርቦ ወሲንና ኣለና፥ እቲ ሓሳባት ቀሪቡ ዝነበረ፣ ብመሰረቱ ሓደ ሰብ ኤርትራዊ ወይ ኤሪትራዊ መበቆል ዘይብሉ ኣብዚ ማሕበርና ከምኤርትራዊ ክምዝገብ ሕልንኡ ኣየፍቅደሉን እዩ፣ ይኹንዳኣ እምበር ማሕበርና ንገዛእርእሳ ውን ንመጻኢ እዚ ኣባልና እዩ ኤርትራዊ እዩ ኢላ ናብ ካልእ ኦፊሳት ከም መረጋገጺ ክት ህብ እንተዳኣ ኾይና ርጡብ ዝኾነ መረጋገጺ ክህልዋ ይግባእ፣ ነዚ ነገር እዚ ብኸመይ ነተግብሮ? ናይ ዝተወለደሉ ሰርትፊኬት ወይ ናይ ትምህርቲ ባጀላ ወይ ካልእ ተመሳሳሊ ወረቓቕቲ ከቕርብ ድዩ ዘለዎ ወይስ መሰኻኽር ብምቕራብ? እዚ ሕቶ ክምለስ ናብ ማሕበር ነቕርቦ።

  1. ኣብ መጻኢ ንገብሮም ፕሮጀክትታት
  • ትምህርቲ ናይ ጀርመንን ትግርኛን (ሃብቶም ተስፋሚካኤል ጸብጻብ ናይ ዘድልየና ገንዘብን ንብረትን ናብ ሽማግለ የቕርብ)
  • ስፖርት ናይ ብሽክለታ፣ ጉያ፣ ኩዑሾ (ደጀን ስልጣንን ደሳለ ዑቕባጽዮንን ጸብጻብ ናይ ዘድልየና ገንዘብን ንብረትን ናብ ሽማግለ የቕርቡ)
  • ናይ ሙዚቃ፣ ድራማ (ምስግና ከሰተን ሮቤል እስቲፋኖስን ጸብጻብ ናይ ዘድልየና ገንዘብን ንብረትን ናብ ሽማግለ የቕርቡ)
  • ናይ ማሕበር ክለብ (ኤፍሬም ኣማንኤል ጸብጻብ ናይ ዘድልየና ገንዘብን ንብረትን ናብ ሽማግለ የቕርብ)
  1. ናይ ማሕበር ምሽጣዊ ሕግታት

 ሽማግለ ኣብ ቀረባ ግዜ ምስ ኣማኸርቲ ኣባላት ኣኼባ ኣካይዳ ምሽጣዊ ሕግታት ከም ኣብ ግዜ ውራይ ናይ ሓጎስን ሓዘንን ዝኣመሰሉ ን ደቂ ማሕበር ኣብ ጎኖም ኮይና ሓገዝ ተወፍዮ ዓቐን ምሕጋግ፥

ናይ ሽማግለ ኣኼባ ሰዓት 14 ጀሚሩ ሰዓት 16:30 ተዓጽዩ

ቩርስቡርግ,  24.09.2016

  ሃብቶም ተስፋሚካኤል                                                    ኣኽሊሉ መሓሪ

(ናይ ፕሮቶኮል ጻሓፋይ)                                                       (ናይ ኣኼባ መራሒ)

 

 

===================================================

ኣብ ናይ ሽማግለ ኣኼባ ዝተታሕዘ ጽሑፍ (ፕሮቶኮል)  22.04.2016

ብዕለት 22.04.2016 ሰዓት 5 ናይ ምሸት፥ እዞም ኣብ ታሕቲ ዝስዕቡ ሰልስተ ናይ ሽማግለ ኣባላት ተረኺቦም ብዛዕባ ንማሕበር ዝምልከት ክዛዘም ዘለዎ ነገራት ክዛተዩ ይጅምሩ፥፥
–ወይዘሮ ሳባ ስዩም (ምክትል ኣቦ መምበር)
–ወይዘሮ ኤልሳ በራኺ (ተሓዚት ገንዘብን ንብረትን)
–ኣቶ ኣኽሊሉ መሓሪ (ዋና ጻሓፊ)

ወይዘሮ ሳባ ስዩም ነቲ ኣኼባ ትኸፍቶ/ትጅምሮ፥፥ ድሕሪ ናይ መእተዊ ዘረባ ብዛዕባ ዕላማ ናይቲ ኣኼባ መግለጺ ሂባ፥፥ እታ ሽማግለ ን ኣቶ ኣኽሊሉ መሓሪ ነቲ ኣብ ኣኼባ ዝባሃል ክጽሕፍ (ፕሮቶኮል ክገብር) ይውከሶ፥ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ውን ከም ኣርእስቲ ይቐርቡ፥፥
–ዶኩመንትታት ናይ ማሕበርና ናብ ዝምልከቶም ኦፊሳት ክቐርቡ
–ምርቋሕ ምርጫ ናይ ኣማኻሪት ኣካል
–ናይ ኣባላት ወርሓዊ ክፍሊት
–መለለይ ምልክት ናይ ማሕበርና (ሎጎ)
–ናይ ማሕበር ምሽጣዊ ሕግታት

1. ዶኩመንትታት ናይ ማሕበርና ናብ ዝምልከቶም ኦፊሳት ክቐርቡ
–እቶም ድሮ ብማሕበርና ተነቢቦም ተመሪቖም ዝተዛዘሙ ዝስዕቡ ወረቓቕትና፥
–ሕጊ/ቅዋም
–ማሕበርና ክትምስረት ኮላ ዝተታሕዘ ጽሑፍ (ፕሮቶኮል)
–ናይ ኣባላት ሊስታ
–ብኣኽባሪ ሕጊ (ኖታር) ምስ ፌርማታት ተረጋጊጾም ብወከልቲ ሽማግለ ናብ ፍርድቤት ክቐርቡ እሞ ማህበርና ካኣ ከም ፍልጥቲ ብሕጊ ዝተመዝገበን ሽም ሒዛ ትቕጽል፥
–ሽማግለ ነዞም ወረቓቕቲ ናብ ፊናንስኣምት ተቕርቦም፥ ማሕበርና ብፊናስኣምት ተቐባልነት እንተረኺባ ካብ ግብሪ ምኽፋል ነጻ ትኸውን፥
–ኣቶ ኣኽሊሉ መሓሪ ምስ ኖታር ተራኺቡ ዘድሊ ዶኩመንትታት ሰዲዱ ከረጋግጾ እቲ ጉዳይ ክዛዝሞ ቁርብነቱ ይገልጽ፥፥

2. ምርቋሕ ምርጫ ናይ ኣማኻሪት ኣካል
በቲ ሕጊ ናይ ማሕበር መሰረት ሽማግለ ነዞም ዝስዕቡ ኣባላት ናይ ኣማኻሪት ኣካል ትረቑሕ/ትመርጽ፥
–ኣቶ የማነ መድሃኔ
–ኣቶ ተኪኤ ተስፋማርያም
–ወይዘሮ ለምለም መሓሪ
–ኣቶ ሃብቶም ተስፋሚካኤል

3. ናይ ኣባላት ወርሓዊ ክፍሊት
–ካብ ወርሒ ክልተ ኣትሒዙ ናይ 5 ኦይሮ ወርሓዊ ክፍሊት ይጅመር፥
–ወይዘሮ ኤልሳ በራኺ ወርሓዊ ክፍሊት ክትቅበል ቁርብነታ ትገልጽ፥
–በዚ ቁጽሪ ስልኪ ተወከስዋ 015217146648፥
–ናይ ሽማግለ ኣባላት ድሮ ወርሓዊ ክፍሊቶም ከፊሎም፥፥

4. መለለይ ምልክት ናይ ማሕበርና (ሎጎ)

VereinLogo

5. ናይ ማሕበር ምሽጣዊ ሕግታት
ሽማግለ ኣብ ቀረባ ግዜ ምስ ኣማኸርቲ ኣባላት ኣኼባ ኣካይዳ ምሽጣዊ ሕግታት ከም ኣብ ግዜ
ውራይ ናይ ሓጎስን ሓዘንን ዝኣመሰሉ ን ደቂ ማሕበር ኣብ ጎኖም ኮይና ሓገዝ ተወፍዮ ዓቐን
ምሕጋግ፥

ናይ ሽማግለ ኣኼባ ሰዓት 17 ጀሚሩ ሰዓት 19 ተዓጽዩ

ቩርስቡርግ,  23.04.2016

ሃብቶም ተስፋሚካኤል                                                   ኣኽሊሉ መሓሪ

(ናይ ፕሮቶኮል ጻሓፋይ)                                                    (ናይ ኣኼባ መራሒ)

======================================================================================================