Mitgliederinformation – ሓበሬታ ንኣባላት

መርሓባ፣                                                                            07.07.2020

ብዛዕባቲ ኣብ ባድ ክሮይስናኽ ዝባሃል ከተማ ኣብ ልዕሊ ሓደ መንእሰይ ኤርትራዊ ዝተፈጸመ ከምትፈልጥዎ ማሕበርና ኣብዚ ታሕቲ በብእዋኑ ደጋጊማ ብዛዕባ ናይቲ ምርመራ ውጽኢት ነታ ላዕለወይቲ ናይ ዐቃቢ ሕጊ ሓላፊት ፍራው ፍሮህን ትባሃል ክትውከሳ ከምዝጸንሐት ትሕብር ኔራ፣ ሕጂ ግን እቲ ዘሕዝን ከምዚ ትርእይዎ ኣብ ታሕቲ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ፖሊስ ቀልጢፉ ንኽትኩስ ዘገድድ ኩነታት ስለዝነበረ፣ እቲ ፖሊስ ዝወሰዶ ስጉምቲ ጉቡእነት ኔሩዎ ኢሎም ነቲ ምርመራ ዓጽዮሞ።

ErmittlungsverfahrenHoppstädten

============================

Atemschutzmaske

============================

KontaktbeschränkungLockerung

============================

Bildschirmfoto 2020-03-22 um 19.30.35

============================

Bildschirmfoto 2020-03-21 um 13.48.57

============================

Bildschirmfoto 2020-03-18 um 08.33.18

============================

Hygienetipps

============================

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፣

ብዛዕባቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ባድ ክሮይስናኽ ዝባሃል ከተማ ኣብ ልዕሊ ሓደ መንእሰይ ኤርትራዊ ዝተፈጸመ ሕጂ ውን ማሕበርና ደጊማ ኣብ ምንታይ በጺሕኩም ኣለኹም ኢላ ነታ ላዕለወይቲ ናይ ዐቃቢ ሕጊ ሓላፊት ፍራው ፍሮህን ትባሃል ተወኪሳታ ኔራ፣ ሕጂ ውን እቲ ናይ ምርመራ ዉጽኢታት ስለዘይመጻና ዘሎ፣ ውሳነ ክንህብ ኣይካኣልናን ዘለና፣ እቲ ናይ ምርመራ ዉጽኢታት ምስመጻና ምስቲ ውሳነ ኣታሓሒዝና ናብ ህዝቢ ክንዝርግሖ ኢና፣ ዝብል መልሲ ሂቦሙና ኣለው። መቸም ካብ ሱቕ ኢልካ ምጽባይ እንዳሓተትና እንተሃወኽናዮም ይሓይሽ ብዝብል ኢና ደጊምና ጽሒፍናሎም፣ እዚ ጉዳይ ጽባሕ ንግሆ ውን ናባና ክመጽእ ስለዝኽእል ሱቕ ኢልካ ምርኣይ ጽቡቕ ኣይኮነን፣ ረስፐክት ክግበረልና ኣለዎ። መልሲ ዝረኸብናዮ ኣብዚ ታሕቲ ኣንብቡዎ።

StaatsanwaltschaftKreuznach1

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፣

ከምትዝክርዎ፣ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብጉዳይ ናይ ሓደ ብፖሊስ ብጥይት ዝተቐትለ ኤርትራዊ መንእሰይ ናይ ኣቃታትልኡ ኩነታት ስለዘይተዋሕጠልና ሻቕሎትና ብኢመይልን ብደብዳቤን ን ዓቃቢ ሕጊ ናይ ባድ ክሮይስናኽ ገሊጽና፣ ብጉቡእን ብጥንቃቐን ክምርመር ከምዘለዎ ኣታሓሳሲብናዮም ኔርና ኢና፣ መልሲ ካኣ በዚ ዝስዕብ ደብዳቤ ሻቕሎትና ከምዝርድእዎ፣ ንሶም ውን እቲ ሕቶታትና ንክምለስ ይምርመርዎ ከምዘለዉ፣እቲ ናይ ብረት ተጠቂምካ ምቕታል ኣድላይነት ኔሩዎ ድዩ ዝብሉ ሕቶታት ኣጻሪና ከነቕርቦ ኢና ዝብል መልሲ ሂቦሙና ኣለዉ። ስጋብ መጨረሽታ ክንከታተሎ ኢና።

StaatsanwaltschaftKreuznach

ዝኸበርኩም ደቂ ማሕበር፣

ማሕበርና ናብ ዓቃቢ ሕጊ ዝሰደደቶ ደብዳበ፣ ብጉዳይ ኣብ ሆፕሽተተን ትባሃል ዓዲ ሓደ ኤርትራዊ ፋስ ሒዙ ኸሎ ብፖሊስ ዝተቐትለ ዝምልከት እዩ። ብዘየገድስ ርእሲ ሕማም ምኽን ያት ድዩ ወላስ ብናይ ድሮጋ ምውሳድ፣ ማሕበርና ፋስ ሒዝካ ሰብ ምፍርራሕን ክትቀትሎ ኢልካ ምፍታንን ብትሪ እያ ትቃወም፣ ግን ፋስ ሒዙ ኢልካ ኣብ ግንባሩ ዓቂንካ ብምቕታሉ ብዙሕ ሓዘን ስለዝተሰማዓ፣ እቶም ዓቃቢ ሕግን መርማሪ ፖሊስን ነዚ ጉዳይ ጽቡቕ ጌሮም ርጡብ መረጋገጺታት ኣኪቦም መዕለቢ ክገብረሉ፣  ስለምንታይ ተቐቲሉ፣ ኣብ እግሩ ወይ ኣብ ኢዱ ተኲሶም ወይ ካኣ ብኻልእ መገዲ  ጠጠው ከብልዎ ይካ ኣል እንድዩ ኔሩ፣ ዝብሉ ሕቶታት ዝሓዘት ደብዳበ ናብቲ ዓቃቢ ሕግን ናብ መርማሪ ፖሊስን ብምስዳድ ሕቶኣ ኣቕሪባ ኣላ። እዚ ጉዳይ እዚ ብቐሊሉ ዝራኣይ ኣይኮነን፣ ሎሚ ንዕዑ ጽባሕ ንዓና ስለዝኾነ። 

Eritreischer Verein in Würzburg und Umgebung e.V.

ማሕበረሰብ ኤሪትራውያን ኣብ ቩርትስቡርግን ከባቢኣን

An die Staatsanwaltschaft Bad Kreuznach

John-F.-Kennedy-Straße 17
55543 Bad Kreuznach

Sehr geehrte Damen und Herren,

der Verein „Eritreischer Verein in Würzburg und Umgebung“ bedauert den Vorfall, der sich am 02. November 2019, in Hoppstädten ereignet hat. Egal ob ein Axt-Angreifer unter Drogeneinfluss steht oder psychische Störung hat, sollte er natürlich angriffsunfähig geschossen werden.

Allerdings, die Mitglieder unseres Vereins , wie viele andere Menschen auch, fragen sich, warum der Eritreer durch einen Schuss direkt in den Kopf getötet wurde, was natürlich ungewöhnlich ist? Polizisten werden ja grundsätzlich darauf trainiert, einen Täter nur angriffsunfähig zu schießen. War es denn nicht möglich, den Mann durch einen Schuss ins Bein oder in den Arm angriffsunfähig zu machen? Hätte er denn nicht anders gestoppt werden können? Aber natürlich sollte man den Ausgang der Ermittlungen abwarten und dann kann man urteilen.

Wir bitten Sie daher, diesen Fall gründlich zu untersuchen. Vielen Dank.

Mit freundlichen Grüßen

Aklilu Mehari, Schriftführer des Vereins
Theaterstr. 24
97070 Würzburg

Eritreischer Verein in Würzburg und Umgebung | ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ቩርስቡርግን ከባቢኣን

============================================================================